👋 Hei, Norsk friluftsliv har lansert nye nettsider!

Du ser nå på en utdatert versjon, besøk heller våre nye sider.

Norsk friluftslivs nettsider →

ምኽሪ ብጕዕዞ እግሪ ንዝናፋሱ ኣብ ግዜ ኮሮና

Publisert – Sist oppdatert 06.08.2020
Foto: Paulina Cervenka

ምኽሪ ብጕዕዞ እግሪ ንዝናፋሱ ኣብ ግዜ ኮሮና

ኣብ ደገ ወጺኹም ክትጎዓዙ ዝከኣልን ንምሕጸነኩም ንገር እዩ። ኣብ ድሕሪ ኣፍደገ ገዛኹም ይኹን፡ ኣብ ቀረባኹም ዘሎ መናፈሲ ይኹን፡ ኣብ ኣግራብ ዘለዎ ቦታ ይኹን፡ ኣብ ጎቦታት ወይ ድማ ቀላያት ዘለዎ ይኹን። ኣብ ተፈጥሮ ዘለዎ ቦታ ምጉዓዝ ንኣእምሮ ኮነ ንኣካላትና ጽቡቕ እዩ፡ ከምኡ’ውን ጸቕጢ የጉድለልና። ምስፍሕፋሕ ናይ ኮሮና ቫይረስ ረኽሲ ንምግታእ፡ ቅድሚ ምውጻእና ቁሩብ ክንሓስብ ኣለና።

ናይ ከባቢ ዳይረክተር፡ ናይ ጥዕና  ዳይረክተርን ናይ ደገ ምዝንጋዕ ውድብ፡ ሓቢሮም ጽቡቕን ውሑስን መገሻ ምእንቲ ክኾነልኩም ሓደ ሓበራዊ ምኽሪ ክህቡኹም ተሰማሚዖም ኣለዉ።

ቀንዲ ሕጊ: ካብ ሰበ ስልጣን ጥዕና ዝወሃበካ ምኽሪን ሕግታትን ንነብስኻ ኣሐድሳ

  1. ኣብ ከባቢኻ ክትጎዓዘሉ እትክእል ቦታ ምረጽ! ኣተሓሳስባኻ ብምጥቃም፡ ዝኾነ ሰብ ከይድዎ ዘይፈልጥ ክትሓኹረሉ እትክእል ቦታ ዳህስስ። ክትጥቀም እንተድኣ ዘይብልካ፡ ህዝባዊ መጓዓዝያ ካብ ምጥቃም ኣቋርጽ። ብሽክለታ ተጠቐም ወይ ድማ ብእግርኻ ተጓዓዝ።
  2. በይንኻ ክትከይድ የብልካ – ምስ ስድራቤትካ ወይ ድማ ምስ ኣዕሩኽትኻ ክትከይድ ኣይትሰከፍ፡ ግን ካብ 5 ንላዕሊ ኣብ ጉጅለኹም ክትኮኑ የብልኩምን።
  3. ምሳኻ መግብን መስተን ውሰድ፡ ንመገሻኻ ድማ ኣስተማቕሮ። መጀምርታ ኣእዳውካ ክትሕጸብ ከምዘለካን ነቲ ጸረ-ረኽሲ ክትጥቀመሉ ከም ዘለካን ዘክር።
  4. ንተፈጥሮ ተተቀቐሉ፡ የድልየና እዩ። ናይ እንስሳን ኣትክልትን ህይወት ኣኽብር፡ ንጎሓፍካ ድማ ምሳኻ ናብ ገዛኻ ውሰዶ።
  5. ካብ ሓዊ ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋታት ተዓዛቢ ኩን! ኣብ ብዙሕ ቦታታት ናይዛ ሃገር ብጣዕሚ ደሪቑ ስለዘሎ፡ መጋርያ ሓዊ ንኸይትውልዕ እገዳ ኣብ ብዙሕ ቦታታት ተጌሩ ኣሎ።
  6. ካርታን ኮምፓስን ኣብ ምልክት ዝገበርካሉ ቦታታትን መንገድታት ተጠቀም። ከምኡ’ውን መንገድኻ ኣብ ምምራሕ ክሕግዙኻ ዝኽእሉ ብዙሓት ብሉጻት ኣፕሊኬሽናትን ናይ ጉዕዞ መሳለጥያታትን ኣለዉ።
  7. ብደሓንካ ተመለስ ከምኡ’ውን ብዙሕ ሓደገኛ ዝኾነ ነገራት ክትመርጽ ኣለካ። ሓቢርና ከበድቲ ዝኾኑ ናይ ምድሓን ነገራትን ናይ ጥዕና ኣገልግሎታት ከነወግድ ንኽእል ኢና።
  8. ፍሽኽ በል! ካብ ካልኦት ርሓቕ፡ ግን ከኣ ንዝኾኑ ኣብ መንገዲ እትረኽቦም ሰላም ኢልካ ፍሽኽ በሎም።

ኪድ ወጺእካ ንተፈጥሮ ኣስተማቕሮ!

ብዛዕባ ናይ ደገ ህይወትን ጥዕናን ብእተፈላለዩ ቋንቋታት ኣብዚ ኣንብብ:

https://norskfriluftsliv.no/friluftsliv-og-helse-materiell/

ኣብዚ ነቲ መገሻ ዝኾነካ ሞቕሽሽን መተባብዕን ክትረክብ ኢኻ:

https://norskfriluftsliv.no/kategori/tema/tips-og-inspirasjon/

ንዝያዳ ብዛኦባ COVID-19 ዝተተርጎሙ ሰነዳት ንምርካብ ኣብዚ ተወከሱ:

https://www.fhi.no/nettpub/coronavirus/fakta/generell-informasjon-koronavirus-pa-flere-sprak/

https://www.fhi.no/nettpub/coronavirus/rad-til-personer-som-er-smittet-eller-har-vart-utsatt-for- smitte/informasjon-om-hjemmekarantene-og-isolasjon-pa-ulike-sprak/

https://www.fhi.no/nettpub/coronavirus/fakta/brosjyre-om-litt-mye-eller-helt-avstand-pa-ulike-sprak/

Del denne artikkelen