👋 Hei, Norsk friluftsliv har lansert nye nettsider!

Du ser nå på en utdatert versjon, besøk heller våre nye sider.

Norsk friluftslivs nettsider →

ኣብ ግዳም ዘሎ ሃዋህውን (ውልቃዊ) ጥዕናን

Publisert – Sist oppdatert 06.08.2020
Foto: Paulina Cervenka

ኣብ ግዳም ዘሎ ሃዋህውን (ውልቃዊ) ጥዕናን

1.ንኣዒንቲ ጽቡቕ ዝዀነ

ካብ ብርሃን ጸሓይ ክርከቡ ዝክእሉ ርእየታዊ ጥቕምታት፡ ከምኡ’ውን መዓልታዊ ንገለ ሰዓታት ኣብ ደገ ምጽናሕ ካብ ሕማም ‘ማዮፒያ’ (ድሩትነት ናይ ርሕቀያዊ ርእየት) ክከላኸሉልና ይኽእሉ። ዝንባለ ናይ ኣዒንትና ናብ ርሕቀታዊ ርእየት ዝዛዘወ እዩ፡ ኣብ ውሽጢ ዕጹው ገዛ ብቐጻሊ ምህላው ድማ የድክመና። ኣብ ደገ ንውሕ ዝበለ ግዜ ምሕላፍ ንኣዒንቲ ጽቡቕ እዩ።

2. ስርዓተ-ምክልኻል-ሕማማት ናይ ኣካላት

ኣካላዊ ምንቅስቓስ ንስርዓተ-ምክልኻል-ሕማማት ናይ ኣካላት የሐይል።

3. ቫይታሚን-ዲ 

ብርሃን ጸሓይ ቀንዲ ምንጪ ወይ ባእታ ምስርሐ ቫይታሚን-ዲ እዩ። ቫይታሚን-ዲ ካብ ብዙሕ ዝዓይነቶም ሕማማት ድማ ይከላኸለልና። ኣብ ኣካላትና ዋሕዲ ቫይታሚን-ዲ ምስዝህሉ፡ ድኻም ክስምዓና፡ ሕልናና ከነዕርብ፡ ምምህማን ኣዕጽምቲ ከጋጥመና፡ ቃንዛ ስርዓተ-ኣዕጽምቲ ክህልወና፡ ከምኡ’ውን ምልምላም ጭዋዳታት ከስዕበልና ዝከኣል እዩ።

4. ምሕቃቕ መግቢ

ስሩዕ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምክያድ ኣብ መዳይ ምሕቃቕ መግቢ ሓጋዚ እዩ።

5. ቃንዛ ርእሲ

ልምምድ ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምክያድን ንጹህ ኣየር ምትንፋስን ቃንዛ ርእሲ ኣብ ምንካይ እወታዊ ተራ ኣለዎም።

6. ንጥዕና ልቢ ጽቡቕ ዝዀነ

ፈኲስ ዝበለ ኣካላዊ ምንቅስቓስ እናኣካየድና እንከለና እውን ዙረት ደምና ኰነ ህርመት ልብና ክውስኽ ዝከኣል እዩ። እዚ ድማ ብጥዕና ልቢ ዝመጸ ጽቡቕ ነገር እዩ።

7. ምክልኻላዊ ጽልዋ/ውጽኢት

ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምክያድ ንተኽእሎ ሓደጋ ናይ ምውሳኽ ጸቕጢ ደም ዝንኪ ኣብ ርእሲ ምዃኑ፡ ካብ ጸገማት ምርጋእ ደም፡ ምዝባዕ ዓጽመ-ጭዋዳ፡ ሕማማት ስርዓተ-ዙረት-ደም፡ ሕማም ሽኮር ዓይነት-2፡ ገለ ዓይነታት መንሽሮን ምኽሳዕን ይከላኸለልና።

8. ምንካይ ኣካላዊ ማህሰይትታት

ነኣሽቱ ኣእማንን ሳዕርን ኣብ ዘለዎም ጫካታትን ሜዳታትን ጕዕዞ እግሪ ምክያድ ንጥዕና ጭዋዳታት ዝጠቅም ኰይኑ፡ ኣካላትና ሚዛን ንኽሕሉ ኰነ ውህደት ምንቅስቓስ ንኽህልዎ ሓጋዚ እዩ። ዝተፈላለየ ኣሳጉማን ኣጠቓቕማ ጭዋዳታት ኣካልን ምዝውታር ንመላግቦ ኣዕጽምቲ ብምሕያል ንተኽእሎ ጭዋዳዊ ጐርጺ/መምናህቲ ይንኪ።

9. ምንካይ ቃንዛ

ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምክያድ ንቓንዛ ሕቖን ክሳድን ይንኪ።

10. ጽሞና

ጽሞና ከምኡ’ውን ረባሺ ድምጺ ዘይምህላው ኣረጋጋኢ ጽልዋ ዘለዎ ረቛሒ ኰይኑ፡ ጸቕጢ ኣእምሮ ናይ ምንካይ ድርኺት ይፈጥር።

11. ካብ ስምዒት ራዕዲ ይከላኸል

ተፈጥሮ ንምዕዛብ ናብ ግዳም ኣብ እንወጽኣሉ እዋን ብዙሕ ኣይንጭነቕን፤ ዝሓሸ ስምዒት ድማ ይህልወና። ኣብ ግዳም ዘሎ ሃዋህው፡ ኣንጻር ስምዒታት ራዕድን ቅዛነትን ኣብ ምቅላስ ወሳኒ እዩ።

12. ጽቡቕ ድቃስ

ንጹህ ኣየር ምትንፋስን ኣካላዊ ምንቅስቓስ ምዝውታርን ጽቡቕ ድቃስ ንኽንረክብ የኽእሉና።

13. ኣድህቦ

ብዝበለጸ ነጽንዕ ከምኡ’ውን ዝያዳ ኣድህቦ ይህልወና።

14. ምጕዳል ጸቕጢ ኣእምሮ

ቀጠልያ ሕብሪ ኣብ ዘለዎ ነገር ክንጥምት እንከለና፡ ብዝሓሸ መልክዕ ክንዛነ ከምኡ’ውን ትሑት መጠን ናይ ሓይሊ ኣእምሮና ክንጥቀምን ንኽእል። ኣብ ክሊ ከተማ ዘሎ ሃዋህው፡ ኣእምሮና ካብ ንቡር ንላዕሊ ንጡፍ ንክኸውን ዝድርኽ ብምዃኑ፡ ዝያዳ ጸቕጢ ኣእምሮ ከስዕበልና ይኽእል።

15. ዝያዳ ሓጎስ ዘለዎ ህይወት

ኣብ ግዳም ዘሎ ሃዋህው፡ ዝያዳ ሓጎስ ዘለዎ ህይወት ንኽንመርሕ የኽእለና።

16. ስምዒት ናይ ኣሳልጦ

ተፈጥሮ ንምዕዛብ ክንወጽእ ከቢድ ነገር ኣይኰነን። እዚ ምግባርና ስምዒት ኣሳልጦ ንኽህልወና፡ ከምኡ’ውን ንዘለዉና ዕማማት ይኹኑ ብድሆታት ንኽንዋጽኣሎም የኽእል።

17. ካብ ቅዛነት ይከላኸለልና

ነዊሕን ጸልማትን ወቕቲ ሓጋይ ኣብ እነሕልፈሉ እዋን፡ ንጹህ ኣየርን ብርሃን ጸሓይን ከምእንረክብ ምስእንገብር፡ ንገዛእ-ርእስና ካብ ቅዛነት ናይ ሓጋይ ክንከላኸለላ ንኽእል።

18. ሓፈሻዊ ጥዕና

መዓልታዊ ተፈጥሮ ምዕዛብ ሓፈሻዊ ጥዕና ኣብ ምውናን ኣገዳሲ እዩ።

ምኽሪ ብጕዕዞ እግሪ ንዝናፋሱ ኣብ ግዜ ኮሮና>>

Del denne artikkelen